Learn more about what we do

Manifesto Eritrean Bright Future Movement (EBFM)
ማኒፌስቶ ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራውያን (ም.ብ.መ.ኤ

  1. ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ታሪኽ ፡ መንነት ፥ ባህሊ ፡ ልምድን ምሕደራን ብልጫታትን ድኽመታትን ዝነበሮ ህዝቢ እዩ። ብሰንኪ ተኸታተልቲ ገዛእትን ህ.ግ.ሓ.ኤን ግን ጥራሽ ተባሕጊጎም ህሉው ኩነታትና ከም ዝምስክሮ ከም ሕብረተሰብ ወዲቕና ንርከብ ።

2. ካብ 1890 ክሳብ ሕጂ ብዝተፈጸሙ ደጋውን ውሽጣውን ገበናትን ሽር
ሕታትን፣ ሎሚ ኤርትራ ኣብ መንጎ ምህላውን ምጥፋእን ትርከብ።
3.ኣብቲ ናይ ልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዝወሰደ ፖለቲካዊ መስርሕ ዝተዋስኡ ሓይልታት ብዙሓት እኳ እንተኾኑ፣ እቲ ቀንዲ መራሒ ናይዚ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ገበናት ግን ህ.ግ.ሓ.ኤ እዩ።

4. ሰውራ ኤርትራ ኣብ 1960 ታት እዩ ተጀሚሩ። ኣብ ኣጀማምርኡ ዝነበረ ብልጫታትን ጉድለታትን ብዘየገድስ : እቲ ህዝቢ ዋጋ ከፊሉሉ እዩ። ህዝቢ እንተስ ብስምዒት እንተስ ብግዴታ ኣብቲ ውግእ ተሳቲፉ እዩ።

5. ህ.ግ.ሓ.ኤ ታሪኹ ይኹን ኣወዳድብኡ ከም ዝሕብሮ ኣንጻር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ እዩ። ምስ መሳፍንቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ናይ ስልጣን ውድድር ዝሓልፍ ፍልልይ ኣይነበሮን። መንግስቲ ሃይለስላሴ ይኹን ደርግ ንህግሓኤ ቀዳሞት ጸላእቱ ኮይኖም ኣይፈልጡን እዮም። ሓቂ እዩ፥ ንመብዛሕትና ኤርትራውያን ይመስለና ኔሩን ኣሎን : እቲ ጭብጢ ግን ካልእ እዩ ዝሕብር። ብዛዕባ እዚ ንብሎ ዘለና መርትዖታት ኣምጺእካ ሓደ ብሓደ ምትንታን ኣገዳሲ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሎሚ ብዛዕባ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዘይፈልጥ ሰብ ስለዘየለ።

6. ህ.ግ.ሓ.ኤ ካብ መጀመርያ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ስለዝተወደበ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምንታይ ኣውዲቕዎ ከም ዘሎ ባዕልና ንርእዮ ስለዘለና ዘካትዕ ኣይኮነን። እምበኣር ሕጂ ህ.ግ.ሓ.ኤ ባዕሎም ከም ዝብልዎ ህ.ግ.ሓ.ኤ ሎሚ ውድብን መንግስትን ካብ ምዃን ሓሊፉ መንነትን ሃገራውነትን እዩ።

7 . እዚ ማለት ድማ እታ ናይ ኣቦሓጎታትና ሃገር ፈሪሳስ ብ ሃገረ ህዝባዊ ግንባር ተተኪኣ ማለት እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ ኣንጻር ህዝባዊ ግንባር ምዃን ማለት ኣንጻር ኤርትራ ምዃን ማለት እዩ ናብ ዘስምዕ ፖለቲካ ንኸይድ ኣለና።

8. ካብቲ ዘሕዝን ድማ ፣ እዚ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ማለት “ኣንጻር ህዝባዊ ግንባር ምዃን ማለት ኣንጻር ኤርትራን ህዝባን ምዃን ማለት እዩ” ዝብል ፣ ናይ ተቓወምትን ደገፍትን ሓባራዊ ኣረኣእያ ኮይኑ ምጽንሑ እዩ። ንደምበ ተቓውሞ ይኹን ንኤርትራ ድማ እዚ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ እዚ እዩ ዝመርሖ። ብህ.ግ.ሓ.ኤ እንዳተመራሕና ኢና እምበኣር ኣንጻር ህ.ግ.ሓ.ኤ ክንቃለስ ጸኒሕና። Manifesto Eritrean Bright Future Movement (EBFM) ማኒፌስቶ ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራውያን (ም.ብ.መ.ኤ)

9. ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ባህሊ ህዝባዊ ግንባር ተላቢስዎ ስለ ዝጸነሐ ፡ ንህ.ግ.ሓ.ኤ ምህራም ማለት ነቲ ሰውራን ህዝብን ታሪኹን ከም ምህራም ኣምሲልካ ናይ ምክልኻል ኩነታት ተፈጢሮም ኣለዉ፡ ፡ ኣምሳያ ናይዚ ከኣ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ሓያል ተቓውሞታትን ዓሎቛትን ከጋጥሙ ንርኢ ኣለና ብፍላይ ከኣ ካብ ካድረታት እቲ ስርዓትን ዉሱናት ኣዳኸርቱን።

10. ህ.ግ.ሓ.ኤ ነቲ ፖለቲካ ባዕሎም ስለዝመርሕዎ ፣ እቲ ንሳቶም ዝገብርዎ ዝነበሩ ገበናት ክትንተን እንከሎ ካልኦት ሓይልታት’ውን ከምዝፈጸምዎ ጌሮም ዓሎቛትን ነብሰምክልኻልን ዘይተምበርካኽነትን ከርእዩ ይፍትኑ እዮም።

11. ተ.ሓ.ኤ (ጀብሃ) ኣብ 1981 ብሰንኪ ዝነበርዋ ናይ ገዛእ ርእሳ ድኽመታትን ጸረ ኩሉ ፍጡር ተጻባእን ዓማጽን ሽርሕታት ሻዕብያን ካብ ዝካየድ ዝነበረ ቃልስን ሜዳን ኤርትራ ተሳዒራ ብምውጻእ ብኣካል ዘየላ ውድብ ኢያ። ስለዚ ከምቶም ኩሎም ዝተሳዕሩ ፖለቲካውያን ምንቅስቓሳትን ሓይልታትን ፣ ኣብ ሕጋዊት ኤርትራ ጉዕዞኣ ብግቡእ ተመርሚሩ ሕጋዊ ውሳነ ክወሃብ ንሰብ ሞያ ታሪኽን ክኢላታት ሕግን ንገድፎ።

12. ህ.ግ.ሓ.ኤ ግን ካብ መጀመርያ ክሳብ ሎሚ ኣንጻር ህዝብን መንነትን ኤርትራን ኤርትራውያንን እዩ ተወዲቡ። ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝጥቀመሎም ዘሎን ዝነበረን ስልትታት፣ ኩሎም ናይ ጸላኢ ወይ ጓና እዮም።

13. ህ.ግ.ሓ.ኤ ሎምን ትማልን ክሳብ ዘሎን “ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እዩ፡፡” ኣብ ዝብል መደምደምታ ኢና በጺሕና። ህ.ግ.ሓ.ኤ ብመሰረቱ ኣንጻር ኩሎም ህዝባዊ ክብርታት እዩ።

14. ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ጸላኢኡ ህ.ግ.ሓ.ኤ ዝተምበርከኸን ስርዓተ ክብርታቱ ዝተመንጠለን ተሾቚሪሩ ዝነብር ዘሎን ህዝቢ እዩ።

15.እቶም ኣብ “ደምበ ተቓውሞ” ኣለና ዝብሉ ካድራትን መራሕትን ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ንቡርን ኣብ መብዛሕተአን ብሰውራታት ዝሓለፋ ሃገራት ዘሎን ጌሮም እዮም ከእምኑና ከይደቀሱ ዝሓድሩ። ናይ ግዜ ሰውራስ ምስ ገበታ ጉድለታቱ ንፍርዲ ህዝቢ ምስተገድፈ ፡ 30 ዓመታት ኣብቲ “ናጽነት” ዝብልዎ ህዝቢ ምብትታንን ጸጋ ሃገር ምቡሕጋጉን ፧ ናይ ዓመጽቲ ስነሞጎት ምዃኑ ጥራይ ምንጋሮም ኣኻሊ ኢዩ።

16. ህ.ግ.ሓ.ኤ፣ነዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ፣ መንነትን ባህልን ዘይብሉ፣ ፈራሕን ትሑትን ከም ዝኸውን ጌሮም እዮም ሃኒጾሞ። መንነት-ኣልቦ መንእሰይ ሃኒጾምስ ባዕሎም ድማ ይኸስዎ። ካብኡ ሓሊፎም’ውን እቲ ናይ “ሰውራ ወለዶ” ግቡኡ ከም ዝገበረ፥ እዚ ሕጂ ዘሎ ግን “ፈራሕን ዘይውፉይን” ምዃኑ ኣብ ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ክኸስስዎን ክውንጅልዎን እዮም ዝፍትኑ። ዓደቦኻ ምጥፋእን መንነትን ባህልን ልምድን ኣቦሓጎታትካ ምድምሳስን ግን ጉቡእካ ምፍጻም ማለት ኣይኮነን፡፡ Manifesto Eritrean Bright Future Movement (EBFM) ማኒፌስቶ ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራውያን (ም.ብ.መ.ኤ)

17. መንእሰይ ኤርትራ ግን ከምቲ እዚ ተበላጺ ስርዓት ሻዕብያ ዝብሎ ዘይኮነስ ፡ ንኹሉ ብዝተወደበ መገዲ ኣብ ትምህርቱ ፡ ቁጠብኡ ፡ ማሕበራዊ ክብርታቱ ባህሉን ሃይማኖቱን ዝተገብረሉ ስነኣእምሮኣውን ኣካላውን ወራር ስዒሩ ፡ ካብ ባርነትን ቀንጻሊ ስርዓትን ኣምሊጡ ንሞት ስዒሩ እቲ ሳሃራን ባሕርን ክሰግር ዕድል ዝረኸበ ፡ ንኣብ ሞንጎ ምህላውን ዘይምህላውን ዘላ ሃገርን ህዝባን ከድሕን ምስ ኩሉ ማሕበራዊ ሽጉሩን ናብራ ስደትን ጸይሩ ዝቃለስ ዘሎ ንጹህ ዘይከም ወሎዶ ገድሊ ነንሕድሕዱ ንሓዉ ሻንብቆ ብረት ዘቕንዕ ኣይኮነን።

18.ህዝቢ ኤርትራ ብመግዛእትታት እዩ ሓሊፉ። ጥልያን ሕሱም ዓሌታዊ ገዛኢ እዩ ዝነበረ። ጥልያን ይኹን ካልኦት ገዛእቲ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይ መግብን ገንዘብን ይገዝእዎ ከም ዝነበሩ ግን ታሪኻዊ መርትዖ የለን። እቶም ኣብቲ "ሰውራ" ዝተሳተፉ ዜጋታት፣ኣብ ግዜ መግዛእቲ ዝተወልዱን ዝዓበዩን እዮም። እዚ ማለት ድማ ኣብ ግዜ መግዛእቲ፣ ኣቦሓጎታትና ወሊዶም ከዕብዩ ይኽእሉ ኔሮም እዮም ማለት እዩ። ገለ ካብዚኦም ክማሃሩ’ውን ዕድል ይረኽቡ ኔሮም ኢዮም፡፡ እቶም መጋበርያ ዝኾኑ ዘይተማህሩ ገዲፍካ እቶም ቀንዲ መራሕቲ ሽፍትነት ካብ ዩኒቨርስታት ዝተጋደሉ ኢዮም። ሕጂ ኣብ ዘመነ-መግዛእቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ ግን ኣብ ዓዱ ኾይኑ፣ ወሊዱ ከዕቢ ዝኽእል ኤርትራዊ የለን።

19.መቦቆልን መሰረትን ህ.ግ.ሓ.ኤ ኩልና ከም እንፈልጦ "ከበሳውያን" ከም ዝኾኑ ጌርካ እዩ ዝግለጽ። ኣብ ምምስራቱ ዝጥቀመሎም ዝነበረ ፖለቲካዊ ሽርሕታት ድማ "ኣስላም ሓሪዶሙና"፡"ጀብሃ ናይ ኣስላም እያ"፡ ዝብል ሕሱር ፖለቲካ እዩ ዝነበረ።

20.ህ.ግ.ሓ.ኤ. ናይ “ደቂ ከበሳ” ኔሩ እንተ ዝኸውን ኣብ ልዕሊ ደቂ መታሕት ጥራይ ኣድልዎን ዓመጽን ምገበረ። ብግብሪ ክረአ ከሎ ግን ኣብ ልዕሊ ደቂ ከበሳ ዝፈጸሞ ገበናት፥ካብ ኣብ ልዕሊ “ደቂ መታሕት” ዝተፈጸመ ገበናት ዝፍለ ኣይኮነን ።

21. ዝረዓደ ህዝቢ ግን ብቀሊሉ ስለ ዝኣምን ህግሓኤ ዝጥቀምሉ ፈላላዪ ሜላ ተቀቢሉ ሓድሕዱ ኣብ ዘይምትእምማንን ምትፍናንን ወዲቁ ይርከብ። ይኹን እምበር በኣንጻሩ ናይ ኩሎም ጸላኢ ህይባዊ ግንባርን ኣተሓሳስብኡን ጥራይ ኢዩ።

22.ህዝቢ ዓለም ይኹን ዝበዝሕ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝዛረበሎምን ዝፈልጦምን “ጉጅለ-15” እዮም። ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎት መንእሰያትን ካልኦት ዜጋታትን ዝወረደ ግፍዒ፡ጭቆና፡ ኣብ ፎቖዶ ጎዳጉዲ ሞት፡ መቕተልቲ (ዝተረሸኑ) ስድራ ቤታቶም ጥራይ እየን ዝፈልጦኦም።

23.እዚ ሕጂ ኣብ ኩሉ ክፋላት ዓለም ዝድርበን ዝሕረድን ዘሎ ቆልዓ-ሰበይቲ ቲቪ ኤረን ድምጺሓፋሽን ዘኪረነኦ ኣይፈልጣን እየን። ምኽንያቱ ቀንዲ ዕላመአን ንህዝቢ ኤርትራ ምጽናት ስለዝኾነ። በንጻሩ እኳ ዳኣ “ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም” ኢለን ኣጋውሔን።እቲ ስርዓት’ውን ሬሳታት ሓመድ ኣዳም ኣብ ዓዶም ከይለብሱ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ሓንጊዱ ይርከብ። Manifesto Eritrean Bright Future Movement (EBFM) ማኒፌስቶ ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራውያን (ም.ብ.መ.ኤ)

24.ንህ.ግ.ሓ.ኤን ንህ.ግ.ደ.ፍን ፈላሊኻ ክትርእዮም ናይ ምድላይ ሸፋጢ ስልትታትውን ንርኢ ኢና።ኣብ መንጎ ህ.ግ.ሓ.ኤን/ ህ.ግ.ደ.ፍን ግን ፍልልይ የለን። እንተሃልዩ ድማ ከም ኣብ መንጎ ተመንን ገበልን ጥራይ እዩ።እቶም ኣብ መንጎ ህግ.ሓ.ኤን ህ.ግ.ደ.ፍን ፍልልይ ከም ዘሎ ጌሮም ዝምድሩ ፖለቲከኛታት ኣባላት ህ.ግ.ሓ.ኤ ስለ ዝነበሩ፣ርእሰ-ምክልኻል ክገብሩ እንተዘይኮይኑ ካልእ ምኽንያት የብሎምን።

25. “ንህ.ግ.ሓ.ኤ ብኸምዚ ደረጃ ምግላጹ፣ ንሃገረ ኤርትራን ሰውራኣን ታሪኻን ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ህዝቢ ውን ኣይቅበሎን ወይ ኣይክርደኦን እዩ” ንዝብሉ ሰባት ዘለና ንጹር መልሲ ፦ “መን እዩ ህዝቢ ኣነ ሓደ ካብ ህዝቢ ዶ ኣይኮንኩን፧” ኢሎም ንሕልናኦም ክሓቱ ንምሕጸኖም። ንሃገረ ኤርትራን ሰውራኣን ታሪኻን ሓደገኛ ህ.ግ.ሓ.ኤ ጥራይ እዩ ። ህዝቢ ንህላዌኡን ንመጻኢኡን ደኣ እምበር ንታሪኽ ኢሉ ኣይኮነን ዝቃለስ።

26.ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እምነት የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ብዓይኒ ህ.ግ.ሓ.ኤ እሙን ኣይኮነን። ስለዚ ንህዝቢ ኤርትራ “ብሓይሊ” ኢኻ ኤርትራዊ ኮይኑ ክነብር እተገድዶ ዝብል ናይ ፋሽሽታውያን ፖለቲካ እዩ።

2 7. ሰውራ ኤርትራ ብመሰረቱ ቁኑዕ ኣይነበረን።ኣብ ጉዕዝኡ ከኣ ናይ ብርክት ዝበሉ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ሓይልታትን ዝነበሮም ውልቃዊ ርኢይቶኦምን ፍልልይ ሓሳባቶምን ክጻወር ዝኽእል ስለዘይነበረ ፡ ኣብ ልዕሊኦም ገበን ብምፍጻም በብእዋኑ እንዳ ቐንጸሎም መጺኡ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ጉዳይ ሃገርና ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባትን ሓይልታትን ብርክት ዝበሉ ሓሳባትን ርኢቶን ንህዝቢ ዘርብሕ ዕላማ ክህልዎም ይኽእል ኢዩ። ንርኢቶኦም ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ዕላምኦም ንምህራምን ናይ ሓይሊ ስነሞጎት ይኹን ዘይሕጋዊ ተግባራት ንሕብረተሰብና ዝጎድእ ክሳብ ዘይ ፈጸሙ ገበን ኣይኮነን።

28. ሰውራ ኤርትራ ድማ ሓደ "ቅኑዕ" ስለዝበሎ ቅኑዕ፣ ካልእ "ጌጋ" ስለዝበሎ ኻኣ ጌጋ ይኸውን ማለት ኣይኮነን። መጀመርያ ዝኾነ ዜጋ ኣብ ልዕሊ ሰውራ ኤርትራ ይኹን ታሪኽ ኤርትራ ብነጻ ርእይትኡ ክህብ መሰል ኣለዎ። ንዘለዎ ርእይቶ ድማ መርትዖታት የቕርብ። ርእይትኡ ቅቡል ይኹን ንጹግ ግን ርእይቶኡ እዩ።

29. እቶም ''ሰውራ ኤርትራ ካብ ቀደም ኣትሒዙ’ውን ቅኑዕ ኣይነበረን" ዝብሉ ውልቀሰባት ይኹኑ ጉጅለታት፣ኣብ ሕሉፍ ዘለዎም ኣረኣእያ ውልቃዊ ርእይቶኦም ኮይኑ፣ ኣብዚ ቃልሲ ምሉእ መሰል ክህልዎም ኣለዎ።

30.ክብርታት ናይቲ ሰውራ ንምሕላው እንተኾይኑ እቲ ቃልሲ፣ ምንዋሕ ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ። Manifesto Eritrean Bright Future Movement (EBFM) ማኒፌስቶ ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራውያን (ም.ብ.መ.ኤ)

31.ንሕና ንቃለስ ዘለና ንሰብኣውን ዜግነታውን መሰላትና እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንስለታ ምኽንያት መበገሲ እቲ ሰውራ ዝኾነት ሃገርና ደኣ እምበር፣ ንታሪኽ እቲ ሰውራ ንምሕላው ወይ ንምቅንጃው ኣይኮነን።

32.እቲ ህዝቢ ልዕሊ ኩሉ ስለዝኾነ : ንህዝቢ ናይ ታሪኽን ፕሮፖጋንዳን “ዋርድያ” ጌርካ፣ ላግጺ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ክንጸግ ኣለዎ። ታሪኽ ምኩሕሓል ዝጠቅም ኔሩ እንተዝኸውን ንተጋደልቲ ህ.ግ. ምጠቐመ።

33.ከምቲ ኣብ ላዕሊ ኣመልኪትናዮ ዘለና ህ.ግ.ሓ.ኤ ንናጽነት ኤርትራ ምንም ተገዳስነት ኣይነበሮን።ህ.ግ.ሓ.ኤ ኣወዳድብኡ ከም ዝሕብሮ፣ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ህ.ግ.ሓ.ኤ. መጀመርያ ኣንጻር ተጋደልቲ፣ ቀጺሉ ኣንጻር ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፣ ኣንጻር ህዝባውያን ማሕበራት፣ ኣንጻር ናይ ሞያ ማሕበራት፣ ኣንጻር ሙሁራት፣ ኮታስ ምሉእ ብምሉእ ጸረ ህዝቢ እዩ።

34. ኣብ 1991 ህዝቢ ኤርትራ ድሮ ብህዝባዊ ግንባር ተሳዒሩ እዩ ጸኒሑ። 1991 ህ.ግ.ሓ.ኤ. ንኩሉ ሕጋውን ማሕበራውን ትካላት ህዝቢ ኤርትራ፣ ብኣውራኡ ድማ፣ ነቲ ኣብ ወጻኢ ዝነበረ ህዝቢ ተቖጻጺርዎ’ዩ ጸኒሑ።

35. ኣብ ላዕሊ ከም ዘመልከትናዮ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ኣንጻር ህዝቢ ስለዝተወደበ፣ ኣብተን ናይ ልዕሊ 20 ዓመታት ዕድመኡ ንህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ ኣንፈቱ ኣስሒትዎ ስለዝነበረ ፡ ኣብ 1991 ህዝቢ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ እቲ ጸላኢኡ ዝኾነ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ካብ ናይ ባዕዲ ገዛኢ ናብ ዝኸፍአ ሕሱም ዘቤታዊ ጨቛኒ ስርዓት ዝኣተወላ ዕለት እያ።

36. ስለዚ 24 ግንቦት 1991 ንህ.ግ.ሓ.ኤ. ደኣ እምበር ንህዝቢ ኤርትራ ዘይቀዳዊት መዓልቲ እያ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ፖለቲካዊ ንቕሓቱ ድሩት ስለዝነበረ ነዛ ዕለት ከም ክብርቲ፣ ነቲ ዘይሕጋዊ ትካል ድማ ከም መንግስቲ ጌሩ ተቐቢልዎ ጸኒሑ። ሎሚ ግን ህ.ግ.ሓ.ኤ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ኣዊጅና ኣለና።

37. 24 ግንቦት ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ ደኣ እምበር ናይ ህዝቢ ኤርትራ ተባሂላ ክትጽዋዕ ፈጺሙ ስነሞጎታዊ ኣይኮነን ምኽንያቱ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ዝመጸ ሰርዓት ከኣ ነዚ ንነብሮ ዘለና ኣደራዕ ሒዙ ዝመጸ ። ሰብ ዘኽብረሉ ሕጊ ዘይብሉ ስርዓት፡ ብሕጋዊ መስርሕ ዘይመጹ ወግዓውያን ዘይኮኑ በዓላቱ፡ ከብዕል ፍቓደኛ ዝኸውን ዜጋ እንተሎ ንሕጊ ኣልቦነት እቲ ስርዓት ደጊፍካ ኣብ ባርነት ክትነብር ምምራጽ ኢዩ። ባንዴራ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ናይ ህዝቢ ኤርትራ ወግዓዊት ባንዴራ ኣይኮነትን። ካብ መሰረቱ እቲ ሰውራ ክጅመር ከሎ እታ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ብዝነበረ ሃገራዊ ባይቶ ዘጽደቓ ኣውሊዕ ሰማያዊት ባንዴራ ሒዙ ኢዩ ተበጊሱ: ንዓውን ሒዝዋ ኣትዩ። ናይ ሕገመንግስቲ ይኹን ሃገራውያን መለለይታትን ኣርማታትን ዝኽበርሉ ሕጊ ይኹን ሃገራዊ ክብሪ ዘይብሉ ስርዓት ሃገራዊ ባንደራ ክህልዎ በየናይ ሞራል ንቕበሎ፧ Manifesto Eritrean Bright Future Movement (EBFM) ማኒፌስቶ ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራውያን (ም.ብ.መ.ኤ)

38. 20 ሰነ ናይ ህግሓኤ ደኣ እምበር ናትና ኣይኮነትን፣፡ይኹን እምበር ብዛዕባ ኣብ ግዜ ገድሊ ይኹን ብድሕሪኡ ክሳብ ሕጂ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሂወቶም ዝሰኣኑን ዝጠፍኡ ዘለዉን ዜጋታትና ፣ እቶም ብሂወት ዘለና ውሕስቲ ሃገርን ሃገራዊ ባይቶን ሕገ-መንግስትን ምስ ሃነጽና ኩሉ ብሕጊ ክውሰን ኢዩ።

39. ብሓፈሻ ኩሎም ኣዋጃትን ኣርማን ምልክታትን ህ.ግ.ሓ.ኤ. ሕጋውነት የብሎምን። ምኽንያቱ ሕገ መንግስቲ ዘይብሉ ዘይ ሕጋዊ ስርዓት ንሃገር ወኪሉ ክፍጽሞ ዝኽእል ሕጋዊ ስራሕ ክህሉ ስነሞጎታዊ ስለዘይኮነ ።

40. ህ.ግ.ሓ.ኤ. መንግስቲ ኤርትራ ኣይኮነን። ህ.ግ.ሓ.ኤ. ሃገር ገቢቱ ዘሎ ሽፍታ(ፋሽሽቲ) ሓይሊ እዩ። እዚ ማለት ብሕጊ እንዳባ ቆጽሊ ኣይወድቖ ፣ብዲሞክራስያዊ መገዲ’ውን ብምርጫ ኣብ ሰልጣን ዝደየበ ኣይኮነን: እኳደኣ ክሳብ እዚ እዋንዚ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓይሊ ጨፍሊቑ ንሃገር ዝገዝእ ዘሎ ሽፍታ ጉጅለ ኢዩ፡ ፡ ስለዚ ንዓለም ህ.ግ.ሓ.ኤ. መንግስቲ ከም ዘይኮነ ከነእምና ክንቃለስ ኣለና።

41. ንዓና ነዞም “ህ.ግ.ሓ.ኤ መንግስቲ ከምዘይኮነ” መርገጺ ዘለና ዜጋታት ዝውክሉ ትካላት ክህነጹ ኣለዎም። ብፍላይ ድማ ናይ ሀ. መራኸቢ ብዙሓን ትካላት ለ. ናይ ሲቪክ ወሃብቲ ኣገልግሎት ሐ. ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ መ. ትካላት ተጣብቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ረ. ናይ ተራድኦ ትካላት … ወዘተ

42.ኩሎም ኤርትራውያን ብዘይ ኣፈላላይ ብህ.ግ.ሓ.ኤ. ከም እተበደሉን እተጨቆኑን ንኣምን።

43.ሎሚ ዝኾነ ምስ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝደናገጽ ግና ሻቡ ክንጸግ፣ብፍላይ ድማ ካድራትን መራሕትን ህ.ግ.ሓ.ኤ.። ከምኡ ውን እቶም ኣብ ስደት ኮይኖም ደቆም ሓቒፎም እንዳ ኣምሃሩ: ኣብ ጥፍኣት ሕብረተሰብ ኤርትራ ቅንጣብ ርህራሄ ዘይብሎም ብዝተፈላለየ መገዲ ምስቲ ስርዓት ዝደናገጹን ዝድግፉን ኣካል እቲ ጸላኢና ዝኾን ስርዓት ኢዮም። Manifesto Eritrean Bright Future Movement (EBFM) ማኒፌስቶ ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራውያን (ም.ብ.መ.ኤ)

44. ካብ ኤርትራ ዝስደድ ዘሎ ህዝብና ክንውክሎን ክንጣበቐሉን። ሀ. ኣብ ዝኣተዉሉ ሃገር ዑቕባ ምስ ዝሓቱ እሞ ካብ ሃገርኩም ምስክር ወረቐት ኣምጽኡ ተባሂሎም ኣብ ሽግርን መፈንጠራን ህ.ግ.ሓ.ኤ. ንዝኣትዉ ዜጋታት ፍታሕ ክርከበሎም ኩሉ መዳያዊ ሓገዛት ከነበርክት ኢና:: ለ. ካብ ኤርትራ ወይ ጎረባብቲ ሃገራት ስድራቤታቶም ከምጽኡ መሰል ንዘለዎም ኤርትራውያን ዜጋታት “ናይ ሃገርኩም ፓስፖርት ክትጥቀሙ ኣለኩም” ተባሂሎም ኣብ መፈንጠራ ጸላኢ ይወድቁ ኣለዉ። እዚ ብዕቱብ ፍታሕ ክድለየሉ ዓቕምና ዘፍቅዶ ክንሰርሕ ኢና: ሐ. ንኣብ ኩሉ መዓስከራት ስደተኛታት ዘለዉ ዜጋታትና ፍሉይ ቆላሕታ ብምግባር ኩሉ ዓቕምና ዘፍቅዶ ክንገብር ኢና:: መ. ጉዕዞ ሰሃራን ባሕርን ኤርትራውያን ምስ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ምስ ማሕበረ-ሰብ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ተሓባቢርና ክንብድሆ ደው ከነብሎን ክንጽዕር ኢና:: ቀዳማይ ሕታም 2016 ካልኣይ ሕታም 2021

መተሓሳሰቢ፣ እዚ ማኒፌስቶ ኣብ 2021 2021  ዝተሓደሰ ኮይኑ፡ ብሕጂ ዉን ኣብ ዝኾነ ግዜን ኩነታትን ክሕደስ ይኽእል።
ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራውያን
መጻኢና ብሩህ ኢዩ ! 

Read more